Watch Eritrean Orthodox Mezmur 2018 TNFAS ZELEWO ትንፋስ ዘለዎ on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website
1. “ትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሔር የመስግን”
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙር ኮይና፥ ኣብ ውሽጢ Album Name “ካብቲ ዝኾነ ብዘይ ብኣኻ ዝኾነ የለን” እትርከብ ኮይና፥
ዋንነትን ግጥምን ዜማን ብሓውና ዲ/ን ሚካኤል ወልደማርያም (ወዲ ማርዮ)፡ ምስ
ዲ/ን ሙሴ ዑቅባሥላሴ ዝተዳለወት መዝሙር እያ። ሰሚዕና ንካልኦት ውን እንዳ ኣካፈልና ንፍቕርን፡ ንበረኸትን ንኣምላኽ መወደስን ትኹነልና።
መሰል ወነንቲ ዝተሓለወ እዩ! ወነንትን ገጠምትን ብዙሕ ጻዕርታት ስለ ዘፍሰሱላ፡ ብጀካ እዛ Channel እዚኣ “Harnet Estifanos (HE Tube)”፡ ኣብ ካልእ Channel ከይትዝርጋሕ ብትሕትና ንሓትት።
እግዚኣብሔር ሰላሙ የብዝሓልና።
ትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሔር የመስግን (2)
ከበሮ ኣልዕሉ ብሕብረት ነመስግን (2)
ምስጋና ይኹን መዝሙር ሠውዕሉ
ከም እግዚኣብሔር ከቶ የለን በሉ
ብሓያል ቅልጽሙ ብተኣምራቱ
ካብ ግብጺ ዘውጽኣና ዘይውዳእ ምሕረቱ
ናይ ዘልኣለም ፍቕሪ ኣበይ ኣሎ ከም ናቱ
ከም ኣምላኽና’ስ የለን ፍሉይ’ዩ ውዕለቱ
ከም ጐይታና’ስ የለን ፍሉይ’ዩ ውዕለቱ (2)
ኣዝ——————————–
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ፍጥረታት
ሃሌ ሉያ በሉ ነቲ ጐይታ ጐይቶት
ንምስጋና ንቁም ብውዳሴ ማሕሌት
ንሜልኮል ኣይንምሰል ንዳዊት ዝስሓቀት (2)
ኣዝ——————————–
ከምቶም ቅዱሳኑ ሕሩያት ኩላቶም
ኣብ ሰማይ ተኾነ ኣብ መሬት ውን ኮይኖም
ከም ዘመስግንዎ ቅዱስ ቅዱስ ኢሎም
ብሓደ ነመስግን ሓቢርና ምስኣቶም (2)
ኣዝ——————————–
ከምቲ ዝመስከሮ ሓዋርያ ጳውሎስ
ሕይወቱ ምዃኑ ጐይታና ክርስቶስ
የመስግኖ ኲሉ እቲ ዘለዎ ትንፋስ
ብዘይክኡ የለን ናይ ዘልዓለም ንጉስ (2)
ኣዝ——————————–
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ
Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.