Watch Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur – Bzey Nedadi Fikrka – ብዘይ ነዳዲ ፍቕርኻ – LYRICS on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website
Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur – Bizey Nedadi Fikrika Neay – with Lyrics
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙር – ብዘይ ነዳዲ ፍቕርኻ ንዓይ – ምስ ግጥሚ
Please LIKE, SHARE, COMMENT & SUBSCRIBE for more videos.
ብዘይ ነዳዲ ፍቕርኻ ኣቃጺሉኒ
ብዘይ ግዴታ ውዕለትካ ማሪኹኒ
ፍቕርኻ ንዓይ ከመስግነካ ኣገዲዱኒ
ሰንሰለተይ ኣውዲቑ ፈዊሱኒ (2)
………………………………
ተማሪኸ ንኽብሪ ምሓርነት
ተቓጺለ ብፍቕሪ ብናትካ ውዕለት
ከናፍረይ ምስጋናኻ ኽነግራ
ኣብ ደጌኻ ኽነብር ፍቐደለይ ሓደራ
………….ኣዝማች…………….
ርኹስ መንፈስ ኣርሒቕካለይ ሓዪለ
እምነት ፍቕሪ ተስፋ ውህበት ተቐቢለ
ብየማንካ ተጎዝጒዘ ተደጊፈ
ናይ`ዛ ዓለም መከራ መፈንጠራ ሓሊፈ
……………..ኣዝማች………….
ባዶ ኔረ ፍረ ዘይብሉ ገረብ
ዘየስተውዕል ጭንቂ መከራ ዝቕለብ
ንሞት ጸልማት ሕጹይ ኔረ ንጥፍኣት
ፍቕርኻ ኣርኢኻኒ ናጻ ወጺአ ካብ ጸልማት
………………ኣዝማች…………….
+++++ ኣሜን ዝማሬ መላእክት የስመዓልና። ++++
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ
Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.