Quantcast
Channel: Orthodox | WongelTube
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1304

Watch Eritrean Orthodox Mezmur 2018 ተማሂረ ኣለኹ

$
0
0

Watch Eritrean Orthodox Mezmur 2018 ተማሂረ ኣለኹ on WongelTube Ethiopian Orthodox Tewahido Website

7. ተማሂረ ኣለኹ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙር ኮይና፥ ኣብ ውሽጢ Album Name “ካብቲ ዝኾነ ብዘይ ብኣኻ ዝኾነ የለን” እትርከብ ኮይና፥
ብዋንነት ኣሕዋትና ዲ/ን ሚካኤል ወልደማርያም (ወዲ ማርዮ)፡ ምስ
ዲ/ን ሙሴ ዑቅባሥላሴ ዝተዳለወት መዝሙር እያ። ሰሚዕና ንካልኦት ውን እንዳ ኣካፈልና ንፍቕርን፡ ንበረኸትን ንኣምላኽ መወደስን ትኹነልና።
መሰል ወነንቲ ዝተሓለወ እዩ! ወነንትን ገጠምትን ብዙሕ ጻዕርታት ስለ ዘፍሰሱላ፡ ብጀካ እዛ Channel እዚኣ “Harnet Estifanos (HE Tube)”፡ ኣብ ካልእ Channel ከይትዝርጋሕ ብትሕትና ንሓትት።
እግዚኣብሔር ሰላሙ የብዝሓልና።

ተማሂረ ኣለኹ ተማሂረ
ካብቲ ጥዑም ካብቲ ዝመረረ
ተማሂረ ኣለኹ ተማሂረ

ደኺመ ኣይብልን ኣይደልን ዕረፍቲ
ስርሐይ ምስጋና ለይቲ ምስ መዓልቲ
ካብቲ ዝኸፍአ ናይ ሰይጣን ሕልኽላኽ
ልምደይሲ መዝሙር’ዩ ውዳሴ ንኣምላኽ

ኣዝ——————————–
ኣይሰናኸልን ብናይ ዓለም ስቃይ
ኣላ ዘይትዓርብ ናይ ብሕተይ ጸሓይ
ዘይወድቅ ኮኾብ ዘይትድብዝዝ ወርሒ
ናይ ጸጋ ውህብቶ ኣይኮነን ብጉርሒ

ኣዝ——————————–
ብምርካብ ኣይኮነን ዝዓርፈለይ ልበይ
ብምስኣን ኣይኮነን ዝጭነቕ ኣእምሮይ
ኣሎ ሓደ ነገር ዝተቀመጠ ኣብ ልበይ
ዘየቋርጽ ሓጎስ ተስፋ ናይ ኣምላኸይ

ኣዝ——————————–
ተመስገን ተመስገን መፍትሕ ኩሉ ሽግር
ኣረዲእና ኣሎ ነዚ እግዚኣብሔር
ይምላእ ይጉደል ናብራይ ተመስገን ንዕኡ
መፍትሕ ናይ’ቲ ዕጹው ረኺበ ኣለኹ

ኣዝ——————————–
አዳዲስ የኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙሮች እና ስብከቶችን ይመልከቱ:: ለጉዋደኞችዎም በማካፈል ሃይማኖትዎን ያስፋፉ: ያጠንክሩ: ወንጌልቲዩብ የተዋህዶ መዝሙር ድረ-ገጽ


Watch Latest Ethiopian Orthodox Mezmure and Sibket Videos – Share this video with your friends to spread the word of God and strength Ethiopian Orthodox Tewahido.
Like WongelTube on Facebook. Don’t Miss the new Mezmur.


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1304

Trending Articles